Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ እትረኽበሉ ሰነድ ስምምዕነት ምኽታማ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ እትረኽበሉ ሰነድ ስምምዕነት ምኽታማ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ምዃኑ ሰርቫይቭ ዘ ኒውስ ገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን(ዶ/ር) ፕሬዚዳንት ሶማሌላንድ ሙሴ ቢሂ ኣብዲን ሰነድ ስምምዕነት ምትሕብባርን ሽርክናን ምኽታሞም ይዝከር።

እቲ ሰነድ ስምምዕነት ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንምርካብ ባህጋ ዕላዊ ዝገብር፣ ኣማራፅታት በሪ ባሕሪ ዘስፍሕ ከምኡውን ፖሊሪካዊ፣ ዲፕሎማሲያዊ፣ ፀፅታን ኢኮኖሚን ክልቲአን ሃገራት ዘጠናኽር ኢዩ ተባሃሉ።

ፖሊሲ ብምሕዳስ ምስ ኣልባ ወደብ ተዛሚዱ ዘሎ መሓንቕን ምዕባለን እናወሰኸ ዝመፅአ ቁፅሪ ህዝብን ዘስዕቦ ቅልውላው ፖለቲካ ኢትዮጵያ ግንዛበ ከምዝረኸበ ሓቢሩ።

ነዚ ኣቐዲምካ ኣብ ምክልኻል ብምሕሳብ በዓልቲ ዋና በሪ ባሕሪ ንምዃን እናተሰርሐ ከምዝፀንሐ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.