Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ቃል ዝኣተወትሎም ስምምዕነታት ክሌማዊ ለውጢ ቆፂራ እተረክብ ከምዝኾነት ውሕመ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ቃል ዝኣተወትሎም ስምምዕነታት ክሌማዊ ለውጢ ቆፂራ እተረክብ ከምዝኾነት ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ዩኤንዲፒ) ገሊፁ።

ካብ ዱባይ ክሳብ ባኩ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኢትዮጵያ ኣብ ክሌማዊ ለውጢ ዝሰርሓቶም ስራሕቲ ዝጠመተ መድረኽ ዘተ ምስ መዳርግቲ ትካላት ፓቪሊዮን ኢትዮጵያ ተኻይዱ።

ሚኒስትር ልምዓትን ፕላንን ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር)፥ ኢትዮጵያ ካብ ለውጢ ፖሊሲ ጀሚሩ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ተሓዳሲ ሓይሊ ከምኡውን ብኣዝርእቲ ዓርሳ ንምኽኣል ብዙሓት ስራሕቲ ትሰርሕ ከምዘላ ገሊፀን።

ኣብ ጉባኤ ኮፕ28 ዝተኣተዉ ስምምዕነታት ክሌማዊ ለውጢ ከምዝፈፀመት እውን ተዛሪበን።

መሻርኽቲ ልምዓት ብግደኦም፥ ዓለም ዝዓረቑ ከባቢታት ብደኒ ንምሽፋን ኣማራፅታት ሓይሊ ሙሉእ ንሙሉእ ብተሓዳሲ ሓይሊ ንምትካእ ዝሓዘቶ ትልሚ ኢትዮጵያ ቀዲማ ጀሚራቶ ኢያ ኢሎም።

ብፍላይ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ንካልኦት ሃገራት ዓለም ኣብነት ዝኸወን ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ንእትሰርሖ ዘላ ስራሕ ደገፍ ክንገብር ኢና ምባሎም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.