Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ቀረብ ሓይሊ ብምድንፋዕ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዞባዊ ውህደት ጋህዲ ንኽኸውን ትሰርሕ ኣላ – ኣይተ ኣሸብር ባልቻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ሓይሊ ናይ ምፍልፋል ዓቕሙን ተበፃሕነቱን ብምድንፋዕ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዞባዊ ውህደት ጋህዲ ንኽኸውን እናሰርሐት ምዃና ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ኣሸብር ባልቻ ገሊፆም።

ኣይተ ኣሸብር ካብ ኣባል ሃገራት ቋት ሓይሊ ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢነርጂን ሰብ ሞያን ዝተሳተፉሉ መድረኽ እንትኸፍቱ ከምዝገለፁዎ÷ኢትዮጵያ ሽፋን ተበፃሕነት ሓይሊ ንድንፋዕ ብዕቱብ ትሰርሕ ኣላ፡፡

ጣቢያ መከፋፈሊ ሓይሊን መተሓላለፊ መስመራትን ብምስፍሕፋሕ ኣብ 2025 ሽፋን ኤሌክትሪክ 100 ሚኢታዊ ንምብፃሕ እናተሰርሐ ክዝርከብ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ተዛሪቦም፡፡

ምስ ሱዳንን ጂቡቲን ምትእስሳር ሓይሊ ከምዝተፈጠረ ብምሕባር ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ኬንያ ምትእስሳር ሓይሊ ንምፍጣር እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ምስ ዝተረፋ ሃገራት ዘሎ ምትእስሳር ሓይሊ ንምስፋሕ ስራሕቲ ብምስራሕ÷ ኢትዮጵያ ቀረብ ሓይሊ ብምድንፋዕ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዞባዊ ውህደት ጋህዲ ንኽኸውን ከምትሰርሕ ምግላፆም ካብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.