ኢትዮጵያ ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ንምዕዋት እናገበረቶ ትርከብ ፃዕሪ ብኣብነት ክውሰድ ዝኽል ከምዝኾነ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ገሊፀን
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ንምዕዋት እናገበረቶ ትርከብ ፃዕሪ ብኣብነት ክውሰድ ዝኽእል ከምዝኾል ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ ገሊፀን።
ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ዳህሳስ ኣብ ፍቓድ ዝተመርኮሰ ሽቶ ዘላቒ ልምዓት፥ ኢትዮጵያ ናይ ሽዱሽተ ዓመት ሰናይ ፍቓድ መርሃ ግብሪ ኣፈፃፅማኣ ኣቕሪባ፡፡
እቲ ፀብፃብ ዘቕረባ ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ዝተፈላለዩ ፀገማትን ፈተናታትን ጽሑን 㙀ምበር ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ንምዕዋት ብልዑል ሓላፍነት እናሰርሐት ከምትርከብ ኣብሪሀን፡፡
17ቲኦም ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ንምዕዋት ዝገረቶም ፃዕሪታት ብሰናይ ተሞክሮ ክውሰድ ዝግበኦ ከምዝኾነ እተን ሚኒስትር ነቲ መድረኽ ኣረዲአን፡፡
ድኽነት ምውጋእ፣ ዕቤት ኢኮኖሚ ብምቅልጣፍን ኣታዊ ነብሲ ወከፍ ገቢ ብምድንፋዕን፣ ኣፈላላይ እቶት ዜጋታት ብምፅባብን ኣብ ካልኦት ኢኮኖሚያን ማሕበራዊን ዓውዲታት ውፅኢት እናመዝገበረት ከምትርከብ ኣብሪሀን፡፡
ኢትዮጵያን ያጋጠማት ጦርነት ፣ የአየር ንብረት ለውጥ የፈጠረው ተጽዕኖ እና ያስከተለው ድርቅ፣ ጎርፍና የበረሃ አንበጣ እንዲሀም በዓለም አቀፍ ደረጃ የተከሰተው የኮቪድ-19 ወረርሽኝ እና የሩሲያ- ዩክሬን ጦርነት ለግቦቹ ስኬታማነት ተግዳሮት እንደነበሩም ጠቅሰዋል
ኢትዮጵያ ዘጋጠማ ኲናት፣ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዝፈጠሮ ፅዕንቶን ዘጋጠመ ድርቂን፣ ሓደጋ ውሕጅን ኣምበጣ በረኻን ከምኡ እውን ብብርኪ ዓለም ዘጋጠመ ለበዳ ኮቪድ-19ን ኲናት ሩሲያ-ዩክሬንን እቶም ሽቶታት ንኸይተዕውት ማሕለኻታት ከምዝነበሩ ምዝራበን እውን ካብቲ ሚኒቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com