Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ስግግር ስርዓተ- ምግቢ ዘስምር ተመክሮ ኣብ ጉባኤ ኮፕ28 ኣቕሪባ – ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ስግግር ስርዓተ- ምግቢ ዘስምር ተመክሮ ኣብ ጉባኤ ኮፕ28 ኣቕሪባ ክብሉ ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ኣብ ዱባይ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ እቲ ጉባኤ ብዝምልከት እቶም ሚኒስትር ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ እቲ ጉባኤ ሰፊሕ ለውጢ ምምፃእ ዝከኣል ስግግር ስርዓት ምግቢ ምርግጋፅ ዝብል ሓዱሽ ኣጀንዳ ሒዙ ከምዝመፅአ ገሊፆም።

ብኻሊ መዳይ ኢትዮጵያ ኣጀንዳታት ክሌማዊ ለውጢ ዘዐውቱ መርሃግብሪታት ቀረፃ ኣብቲ ጉባኤ ከምዝተሳተፈት ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ብቐዳምነት ናብ ትግበራ ሒዛ ዝኣተወቶ መርሃ ግብሪ ተግባር ኣብቲ ጉባኤ ምፍላጣ ሓቢሮም።

ክሌማዊ ለውጢ ዝዕፍኑ ጋዛት ምቕናስን ምፅዋርን ዘኽእሉ ስራሕቲ መፍላጣ ኣብሪሆም።

ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ክሳብ 2026 ኣብ ዘሎ እዋን 50 ቢሊየን ፈልሲታት ንምትካል ተተሊሙ ክሳብ ሐዚ 32 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲታት ከምዝተተኸለ ኣረዲኦም።

እዚ ድማ ኢትዮጵያ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ክሌማዊ ለውጢ ንምፅዋር አትገብሮ ዘላ ስራሕ ንዓለም ተመክሮ ምክፋላ ንግዜኢ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.