Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ስደተኛታት ዘለዉሉ ቦታ ንኽከናኸኑ ብምግባር ዓብዪ ተሞክሮ እናርአየት ትርከብ – ም/ቀ/ሚ ተመስገን

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ስደተኛታት ብምቕባል ጥራሕ ዘይኮነ ዝነብሩሉ ቦታ ንኽከናኸኑ ብምግባር እውን ዓብዪ ተሞክሮ እናርአየት ከምዝኾነት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ፣ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ መራሕቲ ዓለም ለኸ ትካላት፣ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኣገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስቲን ኣብ ማእኸል እፅዋት ጉለሌ ሓምለዋይ ኣሰር ኣንቢሮም፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ንዝተሳተፉ ዓለም ለኸ ትካላት ውሽጢ ዓዲን ዓለም ለኸ ትካላን ውልቀሰባትን ዝነኣዱ ኣይተ ተመስገን÷ “እቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ-ግብሪ ኢትዮጵያ ታሕሳስ 2023 ኣብ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ስደተኛታት ጀኔቫ ዝኣተወቶ ቃል 100 ሚሊየን ፈልሲታት ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት ናይ ምትካል ሸቶ መጀመሪ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ጀኔቫ ዝኣተወቶ ቃል ካብ ዝተቐመጠ ዓመት ኣብ ዝነኣሰ ግዘ ከምትዛዝም ኣመልኪቶም፡፡

ኣብ ሓምዋይ ኣሰር ዝተረኸበ ዕዙዝ ውፅኢት ንምምዝጋብ ዝተሓሰበ ኣብ ምትግባር ኩሉ ብሓላፍነት ንኽሳተፍ ፀዊዖም፡፡

ብፍሬህይወት ሰፊው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.