Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ስርዓት ቪዛኣ ንኣፍሪካዊያን ብዝበለፀ ብምቕላል ዝላ ከምዘርአየት ፀብፃብ ባንኪ ልዓት ኣፍሪካ ኣመልኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓማውቲ ስርዓት ቪዛኣ ንኣፍሪካዊያን ብዝበለፀ ብምቕላል በራ ክፍቲ ብምግባር ዝላ ከምዘርአየት ፀብፃብ ባንኪ ልዓት ኣፍሪካ ኣመልኪቱ።

ኣብ ኣፍሪካ ውሑዳት ሃገራት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ ሞንጎ 2016ን 2022 ስርዓት ቪዛአን ብምቕላል ጎሊሀን ከምዝተርኣያ ፀብፃብ እቲ ባንኪ ፀሪሑ።

ከም ፀብፃብ እቲ ባንኪ÷ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ናይ ካሊእ ኣፍሪካ ሃገር ዜጋ ቪዛ ንኽረክብ ብምግባር ወይ እውን ኣማራፂታት ኤሌክትሮኒክስ ቪዛ ምቕራብ ከምዝጀመራ ይሕብር፡፡

ካብ ምብራቕ ኣፍሪካ ብዝሐሸ መልክዑ ስርዓት ቪዛ ኣብ ምቕላል ንኢትዮጵያ ጥራሕ ጠቒሱ።

ብመሰረት እዚ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2016 ጀሚሩ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ልዑል ዝላ ዘመዝገበት ኢትዮጵያ ኣብታ ኣህጉር ንኣፍሪካውያን በፃሕቲ በረን ብዝሐሸ መልክዑ ክፍቲ ካብ ሞንጎ ዝገበራ 20 ሃገራት ኣብ መበል 17 ደረጃ ከምትርከብ ኣመልኪቱ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.