Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ስምምዕነት ደገፍ 86 ነጥቢ 18 ሚሊየን ዶላር ከቲማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ዩኒሴፍን ፈንዲ ህዝቢ(ዩኤንኤፍፒኤ)ን ስምምዕነት ደገፍ 86 ነጥቢ 18 ሚሊየን ዶላር ከቲማ።

ኣብቲ ስምምዕነት ደገፍ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ሰመሪታ  ሰዋሰው፣ ምክትል ተወካሊ ዩኒሴፍ ሪኮ ካጎሺማን ምክትል ተወካሊ ዩኤንኤፍ ፒኤ ታይዎ ኦሉዮሚን ክታሞም ኣምቢረሙሉ።

እቲ ደገፍ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 2017 ባጀት ዓመት ተግባራዊ ዝግበሩ ሃገር ለኸ መርሃ ግብሪታት ተግባሪ ንምግባር ከምዝውዕል ተገሊፁ።

ካብ መንጎ እቲ ደገፍ እቲ 70 ሚሊየን ዶላር ካብ ዩኒሴፍ ዝተረኸበ አንትኸውን፥ ንፕሮጀክትታት ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ዝተመጣጠነ ምግቢ፣ ሓለዋ ህፃናትን ስርዓተ ፆታን ተግባራዊ ንምግባር ከምዝውዕል ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.