Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋእን ደቡብ ሱዳን ንምሕጋዝ ቆራፅ ኢያ – ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋእን ደቡብ ሱዳን ንምሕጋዝ ቆራፅ ከምዝኾነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ አሕመድ ገሊፆም።

ንሓደ መዓልቲ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ናብ ደቡብ ሱዳን ጁባ ዝኣተዉ ቀዳማይ ሚኒስትር አቢይ÷ ምስ ፕሬዝዳንት እታ ሃገር ሳልቫ ኪርን ተቀዳሚ ምክትል ፕሬዝደንት ሪክ ማቻርን ከምዝተዛተዩ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋእን ደቡብ ሱዳን ንምሕጋዝ ዘለዋ ቆራፅነት ነቶም መራሕቲ ከምዘገለፁሎም እውን  ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብሪሆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም፥ “ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝፀናሕናሉ እዋን ነዓይን ንጉጅለ ልኡኸይን ዝገበሩልና ኣቀባብላ የመስግን” ኢሎም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.