Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ምትሕብባር ተፋሰስ ናይል ዕላዊ ንምግባር መሪሕነታ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ- ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምትሕብባር ተፋሰስ ናይል ዕላዊ ንምግባር መሪሕነታ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር) ገሊፆም።

ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር)፥ ኣብ ቡሩንዲ ቡጁምቡራ ይሳለጥ ኣብ ዘሎ መበል 25 መዓልቲ ናይል ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ኢኒሼቲቭ ናይል ቤዝ ንርብዒ ክፍለ ዘበን ኣብ ዝፀንሐ ጉዕዝኡ እወንታዊ ውፅኢት ምምዝጋቡ ገሊፆም።

ሕጋዊ ኣካልነት እንተዘይረኸበ እውን፥ ኣብ ውሱናት ከባቢታት ተፋሰስ ስራሕቲ ልምዓት ምክያድ ምኽኣሉ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ምትሕብባር ተፋሰስ ናይል ዕላዊ ንምግባር መሪሕነታ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ምባሎም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.