Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ምስ ፍልሰት ብዝተዛመደ ብዙሓት ፀገማት ትብዳህ ኣላ- ም/ ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ፍልሰት ብዝተዛመደ ብዙሓት ፀገማት ትብዳህ ኣላ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር  ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ኣካቢ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ፍልሰትን ተመስገን ጥሩነህ ዓመታዊ መድረኽ ዘተ እቲ ቤት ምኽሪ ከፊቶም።

ኣይተ ተመስገን፥ ናይ ሰባት ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካሊእ ቦታ ምንቅስቓስ ተፈጥሮኣዊን ሕገ መንግስታዊን መሰል ከምዝኾነ ገሊፆም።

ነዚ ብኣግባቡ ምምሕዳር ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመፅኡ ስደተኛታትን ፅግዕተኝነት ሓተትትቲን ቁፅሮም ልዕሊ 1 ሚሊየን ከምዝበፅሐ ኣፍሊጦም።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ምስ ፍልሰት ብዝተዛመደ ብዙሓት ፀገማት ትብዳህ ከምዘላ ተዛሪቦም።

 

ብፍሬሕይወት ሰፊው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.