Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብምትሕብባር ንምስራሕ ኩሉ ግዘ ድልውቲ ኢያ- ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብምትሕብባር ንምስራሕ ኩሉ ግዘ ድልውቲ ከምዝኾነት ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ም/ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ኢትዮጵያ ሰላም ሓድነትን ሶማሊያ ንምርግጋፅ ደም ፍቱዋት ደቃ እንተይተረፈ ብምግባር ገደብ ኣልቦ ምሕዝነታ ኣርኢያ ኢያ ኢሎም፡፡

ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ መልእኽቶም÷ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ናብ 1700 ኪ.ሜ ዝፅጋዕ ብዶብ ዝዋሰናን ተመሳሳሊ ባህሊ፣ ቋንቋን ሃይማኖት ዝካፈሉ ህዝቢታት ዘለዉወን ሃገራት ከምዝኾና ኣብሪሆም፡፡

“እዚ ድማ ብታሪኽ ይኹን ብዘበናት ብዝፍጠሩ ተረኻት ክቕየር ዘይኽእል ሓቂ ከምዝኾነ ትኣምን ሃገርና፤ ንምዕባለኣን ጉዕዞ ብልጽግናኣን ሰላምን ምርግጋእን ሶማሊያ ኣዚዩ ጠቓሚ ከምዝኾነ ብምርዳእ ብኣተሓሳስባ ሓርካ ምዕባይ ሃገረ ሶማሊያ ተጠናኺራ ጠጠው ንኽብል ብዙሓት ፃዕሪታት እናገበረት ፀኒሓ ኢያ” ኢሎም፡፡

ይኹን እምበር ኣብ ቀረባ እዋን ብፕሬዚዳንት ሃገረ ሶማሊያ እናተውሃቡ ዝርከቡ መግለፂታትን ዘረባታትን ኣዚዮም ካብ ሓቂ ዝረሓቑ፣ ንታሪኽ ምትእስሳር ክልቲኦም ህዝቢታት ዘይምጥኑ፣ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዝኽሕዱ፣ ንፅቡቕ ጉርብትናን ሓበራዊ ረብሓን  ክልቲኦም ህዝቢታት ዝፃረሩ ከምዝኾኑ ምዕዛብ ከምዝተኽኣለ ገሊፆም፡፡

ልሂቃን ሶማሊያን መላእ ህዝቢን ቀፃሊ ዕጫኦም ብልዑ፤ ብርኪ ዝኣሳሰረ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ዘሕርፍፉ ከምኡ እውን ዘላቒ ሰላም ህዝቢታት እቲ ዞባ ዝፃረሩን ኣካይዳታትን ዘረባታትን ጠጠው ንኽብሉ ብፅሒቶም ንኽዋፅኡ እውን ኣገንዚቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.