Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ምስ ዶብ ሱዳን ዝተፈፀረ ፀገም ንምፍታሕ ዝጀመረቶ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ታሕሳስ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳን  ዝተፈጠረ ፀገም ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዝግበር ፃዕሪ ተጠናኺሩ  ከምዝዝቕፅል ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣፍሊጦም።

ኣምባሳደር ዲና ኣብ ዘውፅኡዎ መግለፂ፥ ኣብ ሞንጎ ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ተፈጢሩ ዝነበረ ፀገም ኣብዚ ሕዚ እዋን ወጥሩ ይነኪ እምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ፀግም ንምፍታሕ ፃዕሩ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪቦም።

ካብ ጎንፂ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንምትራፍ ዝሰርሑ ሓይሊታት ኢዶም ኣብ ዘእተዉሉ እዚ ጎንፂ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብዚ ከምዘየኣቱ እውን ኣብሪሆም።

“ዝተወሰኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ሱዳን ኣብቲ ጉዳይ ኣይተሳተፉን ምባል ኣይከኣልን” እውን ኢሎም እቶም ኣቐባሊ ቃል።

እቲ ከባቢ ንኽተራመስ ዝደልዩ ኣካላት ከምዘለዉ ዝሓበሩ ኣምባሳደር ዲና፥ እዞም ሰባት ብሱዳን ኣቢሎም ዝጀመሩዎ ፀግም እንተፈሺሉዎም ብኻሊእ ቦታ ክጅምሩዎ ከምዝኽእሉ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ መግለፂኦም፥ ኣብ ትግራይ ምስ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ተተሓሒዙ ዝተፈላለያ ዓለም ለኸ ትካላት ሒዘንኦ ዝነበራ ቅዋም ናብ ትኽክለኛ መገዲ እናመፅኣ ከምዝኾና ኣገንዚቦም፡፡

እተን ትካላት ቅድም ክብል ዝነበረን ቅዋም ቀይረን ኢየን ዝበሉ እቶም ኣቐባሊ ቃል፥ ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ ብዝምልከት ድማ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ምምላስ ከምዝተኽኣለ ገሊፆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.