Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ምስ ኤጀንሲ ልምዓት ፈረንሳይ ስምምዕነት ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ተፈራሪማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ኤጀንሲ ልምዓት ፈረንሳይን ኤክስፐርታይዝ ፍራንስን  ስምምዕነት ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ተፈራሪማ፡፡

ብቑዓት ሰብሙያ ብምፍራ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ሞያ ክዋፈሩ ንምግባርን ሰብኣዊ ልምዓት ንምጥንኻርን ዝዓለመ ስምምዕነት ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ስምምዕነት ዝፈረማ ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው÷ ኢትዮጵያ መንግስ ፈረንሳይ ዝገብሮ ሓገዝ ከምትንእድ ብምግላፅ እቲ ስምምዕነት ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ከምዘጠናኽር ገሊፀን፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኤክስፐርታይዝ ፍራንስ ጀርሚ ፔሌት÷ ትካሎም ኣብ ኢንተርፕራይዞች፣ ኣብ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ዓውዲታት ምትሕብባር ምሕዝነት ከምኡ እውን ኣብ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣብሪሆም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ትካል ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ምትእስሳር እታወት ምጥንኻር ሓዊሱ ኣብ ኢትዮጵያ እናተወገኑ ንዝርከቡ ፕሮጀክታት ዝገብሮ ሓገዝ ክብ ከምዝገብር ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.