Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ምስ ኣባላት ብሪክስ ዘለዋ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ – ኣይተ ማሞ ምህረቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ኣባላት ብሪክስ ዘለዋ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ከምትቅፅል ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኣይተ ማሞ ምህረቱ ገሊፆም።

ብኣይተ ማሞ ምህረቱ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ሩሲያ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ቀዳማይ ኣኼባ ኣባል ሃገራት እናተሳተፈ ይርከብ፡፡

ኣይተ ማሞ ጎድና ጎድኒ እቲ ኣኼባ÷ ምስ ተወከልቲ ፌዴሬሽን ሩሲያ፣ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ህንዲ፣ ብራዚልን ቻይናን ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ተዛቲዮም፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ ኢትዮጵያ ምስተን ሃገራ ኣብ ዓውዲታት ምትሕብባር ኢኮኖሚ ዘለዋ ርክብ ንምዕባይ ቆራፅ ከምዝኾነት ኣይተ ማሞ ምህረቱ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ዓውዲታት ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ቱሪዝምን ርክባ ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ ተወከልቲ እተን ሃገራት ምግላፆም እውን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.