Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ምስ ቻይና ዘለዋ ዝፀንሐ ርክብን ምትሕብባርን ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ቻይና ዘለዋ ዝፀንሐ ርክብን ምትሕብባርን ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

ብኣይተ ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ልኡኽ ካብ 9 ክሳብ 12 ሰነ 2016 ዓ.ም ኣብ ዝካየድ ‘‘ዎርልድ ማጆሪቲ ፎር መልቲፖላር ኦርደር’’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ሩሲያ ቪላዲቮስቶክ ኣብ ዝተሰናደአ ዓለም ለኸ ፎረም ፓርቲታት ፖለቲካ ይሳተፍ ኣሎ።

ጎድና ጎድኒ እቲ ፎረም ድማ ኣይተ ኣደም ፋራህ ምስ ሚኒስትር ዓለም ለኸ ዘፈር ኮሙኒስት ፓርቲ ሊዩ ጂንቻዎ ተዛቲዮም።

ኣይተ ኣደም ኣብ ዘተኦም÷ ቻይና ኣብ ልምዓት ኢትዮጵያ መሓዛ ጥንኩር ኢኮኖሚ ከምዝኾነት ብምሕባር ብዙሓት ኩባንያታት ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ እናሰርሑ ከምዝርከቡ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዪ እዋናት ብዘጋጠሙዋ ፈተናታት፤ ቻይና ዘይለዋወጥ ቅዋም ብመሓዝ እናገበረቶ ንትርከብ ሓገዝ ዘመስገኑ ኣይተ ኣደም÷ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ፖለቲካዊ ምሕዝነት እውን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ልዑል ግደ ኣብ ዘለዎ ብሪክስ ኣባል ሃገር ንምዃን ዝግበረቶ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ ንኽዕወት መንግስቲን ኮሙኒስት ፓርቲን ቻይና ንዝገበሩዎ ሓገዝ ኣመስጊኖም።

ኢትዮጵያ ምስ ቻይና ዘለዋ ስትራቴጂያዊ ምሕዝነት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ከምትሰርሕ ብምግላፅ÷ ሊዩ ጂንቻዎ ሓዊሱ ኣመራርሓ ኮሙኒስት ፓርቲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ንኽገብሩ ዓዲሞምዎም።

ሊዩ ጂንቻዎ ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ኣባል ብሪክስ ብምዃና ነልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ብምምሕልላፍ፤ ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ዝፀንሐ ርክብን ምትሕብባርን ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ማእኸል ሕብረት ኣፍሪካ ብምዃና÷ ቻይና ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ምስ ኣፍሪካዊያን ንዝህልዋ ምትሕብባር ቁልፊ ግደ ከምዘለዋ ምዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እቶም ሚኒስትር ኣብ መወዳእታ÷ ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ኣብ ዝካየድ መድረኽ ቻይና ኣፍሪካ ልኡኽ ኢትዮጵያ ንኽርከብ ዓዲሞም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.