Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ምስ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ዘለዋ ምሕዝነት ውፅኢታዊ ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ – ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ዘለዋ ምሕዝነት ውፅኢታዊ ኮይኑ ከምዝቐፀለ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ እቲ ባንኪ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝውግኖም ፕሮጀክታት ኣድሂቦም ሎሚ ወጋሕታ ምስ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ዞባዊ ልምዓትን ቀረብ ቢዝነስን ምብራቕ ኣፍሪካ እቲ ባንኪ ዝኾኑ ኣብዱል ካማራ (ዶ/ር) ከምዝተዛተዩ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ኣመልኪቶም።

ካብዚ ብተወሳኺ÷ “ሓወይኣኪንዉሚ ኣዴሲና (ዶ/ር) ሽልማት ኣመራርሓ ኦባፌሚ ኣዎሎው ብምርካቡ እዚ ዕድል ተጠቒመ እንኳዕ ደስበለካ ክብሎ ይደሊ” ብምባል ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ንዝኸቡዎ ሽልማ ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.