Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊያ ዝተፈጠሩ ዘይምርድዳእ ብዲፕሎማሲያዊ መገዲ ናይ ምፍታሕ ባህጊ ኣለዋ – ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊያ ዝተፈጠሩ ዘይምርድዳእ ብዲፕሎማሲያዊ መገዲ ናይ ምፍታሕ ባህጊ ኣለዋ ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።

ፖሊሲ ርክብ ወፃኢ ኢትዮጵያ ማእኸሉ ምስ ጎረባብትና ዘለዋ ርክብ ኢዩ ክብሉ እቶም ሚኒስትር ገሊፆም።

ኣብ እዋናዊ ኩነታት ጠመተ ዝገበረ መግለፂ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ዝሃቡ ኣምባሳደር ታዬ፥ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሌላንድ ሰነድ ስምምዕነት ድሕሪ ምስምዕማዓ ምስ መንግስቲ ሶማሊያ ዝተፈጠረ ኣፈላላይ ንምፅባብ እንተሰርሐት እውን ሰብ መዚ መንግስቲ ሶማሊያ ኣፈላላይ ምስፋሕ ዘየቋርፅ ተግባሮም ኮይኑ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ናይሮቢን ኣንካራን ተኸታታሊ ዘተታት መክያዱ ብምዝኽኻር፥ ብወገን ኢትዮጵያ ሐዚ እውን ናይ ምዝርራብ በሪታት ዘይምዕፃዎም ኣፍሊጦም።

ኢትዮጵያ ካብ 2005 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ከም ሃገር ደው ንክትብል ዋጋ ከፊላ ኢያ፤ ብብዙሕ ኣሽሓት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያዊያን እውን መስዋእቲ ከፊሎም ኢዮም ኢሎም።

ይኹን እንበር ብሰብ መዚ መንግስቲ ሶማሊያ ዝረአ መስዋእትነት ኢትዮጵያ ናይ ምንእኣስ ተግባር ክቑጠቡ ኣለዎም ክብሉ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.