Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ምስ ስዊዘርላንድ ዘለዋ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ክተጠናኽር ኢያ – ለሊሴ ነሜ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ስዊዘርላንድ ዘለዋ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ንምጥብንኻር ድልየት ከምዘለዋ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ለሊሴ ነሜ(ኢ/ር) ገሊፀን።
እተን ኮሚሽነር ምስ ኣምባሳደር ስዊዘርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ታማራ ሞና ዘቲየን።
ኣብቲ ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘለዉ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንተ ኣብሪሀን።
ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ዓቕሚ ብምጥቃም ክልቲአን ሃገራት ዘለወን ምትሕበባር ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ኩነታት ምልዛበን ግዜኢ ፀብፂቡ።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኢኮኖሚ፣ ልምዓት፣ ስራሕቲ ምህዞ፣ ምርምር፣ ትምህርቲን ሰብኣዊ ጉዳያትን እወንታዊ ርክብ ከምዘለወን ተገሊፁ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.