Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ዘለዋ ርክብ ፍሉይ ትኹረት ትህብ – ኣይተ ደመቀ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ዘለዋ ርክብ ፍሉይ ትኹረት ከምትህብ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ምስ ፍሉይ ልእኽቲ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣኔት ዌበር ተዛቲዮም።

እተን ፍልይቲ ልእኽቲ ኣብ ኢትዮጵያ እናተሳለጡ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ሕብረት ኣውሮፓ ከምዝድግፍ ኣረጋጊፀን።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ዘሎ ርክብ ስሩዕ ንኽኸውን ሓዱሽ መሰረት ምንባሩ ዝሓበራ ኣኔት ዌበር÷ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገበሩዎም ውፅኢታዊ ርክባት ንኢደን።

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ እናተሳላጡ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ንምሕጋዝ ዘለዎ ድሌት እውን ገሊፀን።

ኣይተ ደመቀ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ዘለዋ ርክብ ፍሉይ ትኹረት ከምትህብ ብምግላፅ፤ መንግስቲ እቲ ምትሕብባር ንምሕዳስን ፀገማት ብልዝብ ንምፍታሕን ቆራፅ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ከም ብሄራዊ ምኽክርን ስግግር ፍትሒን ዝበሉ ሃገራዊ ኣሰራርሓታት ምትግባር ኣብታ ሃገር ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሓ ዝሕግዙ ከምዝኾኑ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.