Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ብሪክስ ብምትሕብባር ኣብ ዓውዲ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ንምስራሕ ድልውቲ ኢያ – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ብሪክስ ብምትሕብባር ኣብ ዓውዲ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ብስፍሓት ንምስራሕ ድልውቲ ኢያ  ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ፎረም ቢዝነስ ብሪክስ ብዙም ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ኣባል ብሪከስ ዝኾነት ኢትዮጵያ ንምትሕብባር ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ኢኮኖሚን ምቹእ ዝኾነት ሃገር ምዃና ኣገንዚቦም።

ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሃገራት ብሪክስ ብምትሕብባር ብኢኮኖሚ ናይ ምዝማድ ባህጊ ከምዘለዋ እውን ሓቢሮም።

ብስሉጥ ዝዓቢ ዘሎ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ፥ ንኢንቨስትመንት፣ ኢኮኖሚን ምትሕብባር ንግዲን ወሳንቲ ዕድላት ኣለውዎ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ልዑል ሃፍቲ ተፈጥሮ ከምዘለዋ ብምግላፅ፥ ኣብ ኣፍሪካ ሰፊሕ ዕድል ዕዳጋ ንምፍጣር ዘኽእል ዓቕሚ አወን ከምዘለዋ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ብሪክስ ብምትሕብባር ኣብ ዓውዲ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ንምስራሕ ድልውቲ ኢያ  ክብሉ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.