Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ምዕራብ ይኹን ምብራቕ ፅኑዕ ምሕዝነት ኣለዋ – ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)  

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ምዕራብ ይኹን ምብራቕ ፅኑዕ ምሕዝነት ከምዘለዋ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዲፕሎማሲ ብዝምልከት ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቕረቡሎም ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ሂቦም።

ኣብ መብርሂኦም ድማ፤ “ኢትዮጵያ ናብ ዝኾነ ይኹን ትካል በዓል ብዙሕ ወገን ትፅምበረሉ ቀንዲ ዕላማ ብሄራዊ ረብሓኣ ንምኽባር ኢዩ” ኢሎም፡፡

ናብ ብሪክስ ዝተፀምበረትሉ ቀንዲ ምኽንያት እውን ምዕራብ ዓለም ብምሕዳግ ናብ ምብራቕ ዓለም ንምኻድ ዘይኮነስ ምስ ክልቲኡ ብምትሕብባር ረብሓና ንምሕላው ኢዩ” ኢሎም፡፡

“ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ምዕራብ ይኹን ምብራቕ ፅኑዕ ምሕዘዝነት ኣለዋ፤ እዚ ድማ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ንምድርዳር ድልውቲ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

“ግብፃውያን ዘለዎም ሕቶ ንምስማዕን ብዝተኽኣለ መልክዑ ንምፍታሕን ድልወዋት ኢና፤ ንሳቶም እውን ሕቶና ንምትእንጋድ ድሉዋት ክኾኑ ኣለዎም” ክብሉ ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ምልኢት ማይ እቲ ግድብ እንትትውግን ብወገን ግብፂ መጠን ማይ ግድባ ኣስዋን ክንኪ ኢዩ ብዝብል ዝጋዋሕ ሓበሬታ ትኽኽክል ከምዘይኮነ ብተግባር ከምዝተርኣየ ኣብሪሆም፡፡

“ጉዳይ ምምላእ ማይ ሕዚ ሕቶ ኣይመስለኒን፤ ኢትዮጵያ ብምዝርራብ፣ ብምልዛብን ብምትሕብባርን ክትዓቢ ከምትደሊ” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ይኹን እምበር ነዓይ ጥራሕ ዝብል ኣካይዳ ብዙሕ ዘዝልቕ ከምዘይኮነ ኣፍሊጦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.