Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ምስቲ ሓዱሽ ምምሕዳር ኣሜሪካ ዝህልዋ ዲፕሎሚያሲያዊ ርክብ ናይ ሓባር ተረባሕነት ብዘኽበረ መገዲ ክቕፅል ኢዩ – ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ኢትዮጵያ ምስቲ ሓዱሽ ምምሕዳር ኣሜሪካ ዝህልዋ ዲፕሎሚያሲያዊ ርክብ ናይ ሓባር ተረባሕነት ብዘኽበረ መገዲ ክቕፅል ኢዩ ከብሉ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ብፍላይ ኣብ ግድብ ህዳሰ ዝተሰሓሓተ ኣረዳድኣን ቅኑዕ ዘይኮነ ቅዋምን ከምዝነበሮም እቶም ኣምባሳደር ኣዘኻኺሮም።

ሓዱሽ ዝመፅእ ናይ ጆ ባይደን ምምሕዳር ግን ኣብ ክሊ ኣፍሪካ እወንታዊ ኣተሓሳስባ ሒዙ ክመፅእ ኢዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎም ገሊፆም።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ምስቲ ሓዱሽ ምምሕዳር ኣሜሪካ ዝህልዋ ዲፕሎሚያሲያዊ ርክብ ናይ ሓባር ተረባሕነት ብዘኽበረ መገዲ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ኢኮኖሚያዊ፣ ዲፕሎማሲያዊን ፖለቲካዊን ምንቅስቓስ በነቲ ሓዱሽ ምምሕዳር ግልፂ ንምግባር ድልውቲ ከምዝኾነት እውን ተዛሪቦም።

ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ጀካብ ዝጅምራ ልዕሊ 100 ዓመት ኣቑፂረን ኢየን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.