Fana: At a Speed of Life!

 ኢትዮጵያ መርኣያ ምዕባለ ኣፍሪካ ንምዃን ንእትገብሮ ጉዕዞ መሰረተ ልምዓት መገዲ ወሳኒ ከምዝኾነ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ዓ.ም.ፈ መርኣያ ምዕባለ ኣፍሪካ ንምዃን ንእትገብሮ ጉዕዞ መሰረተ ልምዓት መገዲ ወሳኒ ከምዝኾነ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ተዛሪበን።

ካልኣይ ምዕራፍ ፕሮግራም ልምዓት ምትእስሳር መገዲታት ገፀር ዕላዊ ኣብ ዝገበራሉ እዋን እተን ሚኒስትር ከምዝበልኡ፥ መገዲታት ገፀር ምስ ኣውራ መገዲ ምትእስሳር ፍሪያት ንምስሳን ልዑል ብፅሒት ኣለዎ።

እቲ ፕሮግራም ኣብ ገፀር ዝነብሩ ክፋላት ማሕበረሰብ ተረባሕቲ ንክኾኑ ልዑል ጠመተ ዝተገበረሉ ብምዃኑ ኣስታት 407 ሚሊየን ዶላር ባጀት ዝተመደበሉ ምዃኑ ሓቢረን።

300 ሚሊየን ዶላር ካብ ባንኪ ዓለም 107 ሚሊየን ዶላር ድማ ካብ ክልላት ዝተረኸበ ኢዩ ኢለነ።

ብታሪኩ ለገሰ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.