Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ሓዱሽ ዓመታ ተቐቢላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓዱሽ ዓመት 2015 ዓ.ም ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣቲዩ።

ኢትዮጵያውያን ብዝተፈላለዩ ምስንዳኣት ሓዱሽ ዓመቶም ተቐቢሎም።

እቲ በዓል ምኽኒያት ብምግባር ንጎሆ ሰዓት 12 መድፍዕ 21 ጊዘ ተተኩሱ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ሓዱሽ ዓመት ኣብ ዘመሓላለፍሉ፥ ”ዝሓለፈ ዓመት እንትንሓስብ ብብዙሕ እወንታዊን እኩይን ኣጋጣሚታት ተመሊኡ ኢና ንረኽቦ” ኢሎም።

”ሓዱሽ ዓመት እንትንቅበል ከም ዕንበባ መስከረም ተስፋና ንክዕምብብ፣ ትልምና ውፅኢት ንከመዝግብ፣ሰላምና ካብ ዘረግቲ ንክፀሪ፣ ብርሃን ከምዝበርህ ብምትእምማን ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም።
ስለዝኾነ እቲ እምነትና ንክዕወት ኩላትና ምስ ዘበን ክንቅየርይግበአና ክብሉ ኣገንዚቦም።

ምኽኒያቱ ድማ ናትና ምልዋጥ ናይቲ ዘበን ቅኑዕ ለውጢ ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ኢዮም ኣብሪሆም።

ንሕና እንተይተለውጥና ዓመት እንተተለዋወጠ ግን ቁፅሪ ምውሳኽ እንተዘይኮይኑ ካሊእ ክኸውን ከምዘይኽእል ኣረዲኦም።

ንመላእ ህዝቢ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እዚ ዓመት ናይ ምልዋጥ ዕድልና ዝሓዘ ዓመት ብምዃኑ ምስ እዋን ልክዕ ክነዐውቶ ናብ እንኽእል ሸቶ ምጉዓዝ ግድን ኢዩ ኢሎም።

ሓዱሽ ዓመት ትርጉም ዝህልዎ በቲ እዋን ምሕላፍ እንትከኣል ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ብእዋን ምሕላፍ ዝኽእሉ ሰባት ሓዱሽ ኣሰር በቢዘበኑ ከምዘንብሩ ገሊፆም።

”ሓዱሽ ዓመት ሓዱሽ ንግበሮ። ብናይ ባዕሉ እዋን ዝኸይድን ዝመፅእን ዓመት፣ ሓዱሽን ኣረጊትን ማለት ትርጉም ኣይብሉን። ናይ ባዕልትና ሓዱሽን ብላይን ዘበን  እፍጠር” ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም፟።

እዚ ዘበን ብሓዱሽ ስራሕ ብምሕዳስ ሓዱሽ ዓመት ንክኾነልና እምነ ብምባል ፥ልእኽቶም አመሓላሊፎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.