Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ሓይሊ ናይ ምፍልፋል ዓቕማ ናብ 13 ሺሕ ሜጋ ዋት ክተዕቢ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ 2028 ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሓይሊ ናይ ምፍልፋል ዓቕማ ናብ 13 ሺሕ ሜጋ ዋት ክብ ንምባል ከምዝሓሰበት ፕሬዚዳንት ታዬ ኣጽቀ ስላሴ ኣፍሊጦም፡፡

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ ታንዛኒያ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ዝሕደስ ሓይሊ ኣፍሪካ ኣብ ዝተኻየደ ፓናል ዘተ ተሳቲፎም፡፡

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ÷ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ተበፃሕነት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምስፍሕፋዘ ብትኹረት እናሰርሐት ትርከብ፡፡

ኣብ 2028 ካብ ዝሕደስ ሓይሊን ካብ ዝተፈላለዩ ፍልፍላትን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምፍልፋል ዓቕማ ናብ 13 ሺሕ ሜጋ ዋት ንምዕናይ ከምዝሃቀነት ኣብሪሆም፡፡

በዚ ድማ ን14 ሃገራት ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምትእስሳር ትልሚ ብመሓዝ ብምትሕብባር እናሰርሐት ከምዝሖነጽ ተዛሪቦም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንጅቡቲ፣ ኬንያን ሱዳን ሓይሊ ኤሌክትሪክ እናቕረበት ከምዝኾነት እውን ኣመልኪቶም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.