Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ልዕሊ 1 ሚሊየን ስደተኛታት አዕቒባ ጽርከብ – ፕሬዚዳንት ታዬ

አዲስ አበባ፣ ጥቅምት 5፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኣትዉ ልዕሊ 1 ሚሊየን ስደተኛታት ከምዘዕቖበት ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም፡፡

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ልእልቲ ኤደንብራ ደቸስ ሶፊ ሄለን ጆንሰን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዛቲዮም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊን ዞባዊን ጉዳያት ጠሚቶም ነተን ልእልቲ ገለፃ ከመዝገበሩለን ሓቤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ የመላኽት።

ኣብ ኢትዮጵያ ጥዕና ስነ ተዋልዶ ኣዴታትን ኣብ እዋን ጎንፂ ዝበፅሕ ፆታዊ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ኣብ ዝግበሩ ምንቅስቓሳትን ብምድሃብ እውን ተዛቲዮም፡፡

ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኣትዉ ልዕሊ 1 ሚሊየን ስደተኛታት ከምዘዕቖበት ከምትርከብ ፕሬዚዳንት ታዬ ነተን ልእልቲ ኣብሪሆምለን፡፡

ልእዕልቲ ሶፊ ሄለን ጆንስ ብግደኦን÷ ሃገረን ንኢትዮጵያ ትገብሮ ሰብኣዊ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪበን፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.