Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ፣ ግብፅን ሱዳንን ናብ ሰለስቲኣዊ ድርድር ህዳሴ ንክምለሳን ብሕብረት ኣፍሪካ ዝግበር ከይዲ ንክጠናኸርን ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ፣ ግብፅን ሱዳንን ናብ ሰለስቲኣዊ ድርድር ህዳሴ ንክምለሳን ብሕብረት ኣፍሪካ ዝግበር ከይዲ ንክጠናኸርን ፃውዒት ቀሪቡ።

ሚኒስትርን ጉዳያት ወፃኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ደመቀ መኮንን ድርድር ህዳሴ ግድብ ብኣፍሪካ ሕብረት ኣቢሉ ዝካየድ ዘሎ  ድርድር ብዝምልከት ናብ ፀጥታ ምክር ቤት ኣብ ዝፃሓፍዎ ደብዳቤ ቅዋም ኢትዮጵያን ኣፍሊጦም፡፡

ኣብቲ ደብዳበ ኢትዮጵያ፣ ግብፅን ሱዳንን ናብ ሰለስቲኣዊ ድርድር ህዳሴ ንክምለሳን ብሕብረት ኣፍሪካ ዝግበር ከይዲ ንክጠናኸርን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቲ ከይዲ መርህታት ፀጥታ ምክር ቤትን መሰረት ዝገበረን ንፀገማት ኣፍሪካ ኣፍሪካዊ መፍትሒ ዘናዲ ከምዝኾ ተዛሪቦም።

ይኹን እንበር ግብጽን ሱዳንን ብቕኑዕ ልቦና እናተደራደራ ከምዘይኮና ብምግላፅ፥ ናብ ዘረዳድእ ውፅኢት ንምብፃሕ ድልዋት ከምዘይኮና ኣረዲኦም።
እተን ሃገራት  ነቲ ድርድር “ምብፅባፅን ምብልሻውን” ምርጫ ምግባረንን እቲ ጉዳይ “ዓለም ለኻዊ ትሕዝቶ” ብምልባስ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንምፍጣር ይፍትና ከምዘለዋ ሓቢሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.