Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያውያን ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ፀፅታ ዋይት ሃውስ ዘውፅኦ መግለፂ ይቃወሙ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ፀፅታ ዋይት ሃውስ ዘውፅኦ መግለፂ ይቃወሙ ኣለዉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ትማሊ ኣብ ትዊተር ገፁ፥ “257 ሚሊየን ህዝብታት ምብራቕ ኣፍሪካ ጥንኩር ኣመራርሓ ኢትዮጵያ ንምርኣይ ይደሊዩ። እዚ ማለት ፍትሓዊ ስምምዕነት ዝሓትት ኢዩ፤ ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ዘለዉ ጉዳያት ቴክኒክ መፍትሒ ረኺቦም ኢዮም፤ ሐዚ ድማ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ስምምዕ ክብፀሐሉ ዝግባእ እዋን ክኸውን ይግባእ” ዝብል ፅሑፍ ኣውፂኡ ኢዩ።

ቀንዲ መልእኽቲ እቲ ፅሑፍ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ስምምዕ ከይተበፅሐ ምምላእ ማይ ከይትጅምር ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ኢዩ ተባሂሉ።

ስለዝኾነ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ፀፅታ ዋይት ሃውስ ዘውፅኦ መግለፂ ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚዲያታት ይቃወሙ ኣለዉ።

እቲ መግለፂ ልኡላዊነት ኢትዮጵያ ዝጥሕስ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ “እንታይ ክንገብር ከምዝግበአና ማንም ኣይዛረበናን፤ ኣብ ውሽጢ ዶብና ዘሎ ግድብ ማይ ንምምላእ ንዝኾነ ይኹን ኣካል ኣይንሓትትን” ዝብል ርእይቶ ይገልፁ ኣለዉ።

86 ሚኢታዊ ፍልፍል ማይ ኣባይ ካብ ኢትዮጵያ ምዃኑ ዝፍለጥ ኢዩ፤ ይኹን እምበር ልዕሊ 60 ሚሊየን ዜጋታት ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ዘይረኽብሉ እዋን ግብፂ ግን ንኡሽተይ እውን ትኹን ማይ ከየበርከተት 98 ሚኢታዊ ህዝባ ተረባሒ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ዝገበረትሉ ኩነታት እተስምዖ ኣውያትን እትኣልሞ ተንኮልን ደው ምባል ግቡእ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

100 ሚኢታዊ ነቲ ህንፀት ዝኸውን ወፃኢ ብኢትዮጵያ ኣብ ዝሽፈነሉ እዋን “ማይ ምልኡ ኣይትምልኡ” ዝብል ኣካል የለን ዝበሉ እቶም ኢትዮጵያውያን፥ ቀዳማይ ምዕራፍ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ብዝምልከት ኣብ ስምምዕ ይበፃሕ ኣይበፃሕ ግድብና ማይ ክመልእ ኢዩ ዝብል ርእይቶ ሂቦም።

ማይ ግድብ ህዳሰ ብፍትሓውነት ንምጥቃም ክበሃል ምስ ግብፂ ኣብ ስምምዕነት ንምብፃሕ ኣዝዩ ነዊሕ ርሕቐት ከምዝተኸየደ እውን እቶም ኢትዮጵያውያን ተዛሪቦም።

መበገሲ ምኽኒያት ድማ ኢትዩጵያ ብናይ ሓባር ተረባሕነት ስለእትኣምን ኢዩ ኢሎም።

ይኹን እምበር ግብፂ ነቲ ዝቐረበ መፍትሒ ዘይምቕባላ ዘላቒ ረብሓ ኢትዮጵያ ምጉዳእ ከምዝኾነ ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.