Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ትፅቢት ዝግበራሉ ውድድር ፍፃመ ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝካየድ ውድድራት ፍፃመ መበል 20 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ትፅቢት ይግበረለን።

ቀትሪ ሰዓት 9፡28 ብ1500 ሜትሮ ውድድር ፍፃመ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይን ኣትሌት ድርቤ ወልተጂን ክዕወታ ትፅቢት ይግበረለን።

ብ800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ቀትሪ ሰዓት 9፡54 ኣብዝሓለፈ ዓመት ናይቲ ርሕቐት ተዓዋቲት ፅጌ ዱጉማን ንግስት ጌታቸውን ትፅቢት ዝግበረለን ኣትሌታት ኢየን።

ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ኣብቲ ሻምፒዮና ብኣትሌት ፍረወይኒ ሃይሉ ብ3000 ሜትሮ ወርቂን ብደቂ ተባዕትዮ 3000 ሜትሮ ብትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ሜዳሊያ ብሩር ረኺባ።

ኢትዮጵያ ብክልተ ሜዳሊያታት ብምርካብ ኣብ ደረጃ ሰንጠረዥ ራብዐይቲ እንትትከውን፥ ኣሜሪካ፣ እንግሊዝን ኩባ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ሒዘን ይርከባ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.