Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያውያን ንሰላም ሃገሮም ንክሰርሑ ኣይተ ብናልፍ ኣንዷለም ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ሰላም ንሓድነትን ምዕባለን ዘለዎ ዋጋ ብምግንዛብ ንሰላም ሃገሮም ንክሰርሑ ሚኒስትር ሰላም ኣይተ ብናልፍ ኣንዷለም ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ሚኒስትር 3 ጳጉሜን መዓልቲ ሰላም ምኽኒያት ብምግባር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እዚ ዕለት “ሰላም ንኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ቃል ግንዛበ ሰላም ብምፍጣር ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ክኽበር ኢዩ ኢሎም።

ባህግና ሰላምን ምዕባለን ኢዩ ብምባል፥ እዚ ምዕባለ ኣብ ኢትዮጵያ ንክረጋገፅ ሰላም ወሳኒ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ መላእ ኢትዮጵያዊያን  ንሰላም ሃገሮም ንክሰርሑ ኣይተ ብናልፍ ኣንዷለም ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ዜጋታት ኣብ ስግኣት ንክነብሩን ተገዲድና ናብ ኲናት ንክንኣቱ ዝገብሩን ሓይሊታት ነውግዝ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ ፀረ ሰላም ሓይሊታት ኩሉ ሰብ ከውግዞም ይግባእ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.