ኢትዮጵያውያን ብዘመናት ዝተሃንፀ ምትእምማን ህዝቢ ንምፍራስ ዝግበሩ ፃዕርታት ከስተውዕሉን ከፍሽሉዎን ከምዝግባእ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዘመናት ዝተሃንፀ ሃፍቲ ማሕበረሰብ ብምሽርሻር ኣብ መንጎ ህዝቢ ምትእምማን ከይህሉ ዝግበር ፃዕሪ ማሕበረሰብ ህድእ ኢሉ ከስተውዕልን ከፈሽሎን ምሁራን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
መምህር ፖለቲካል ሳይንስ ኣይተ ደጉ ኣስረስ፥ መንግስቲ ፍትሒ ብምንጋስን ዜጋታት ማዕረ ተረባሕቲ ክፍፍል ሃፍትን ስልጣንን ንክኾኑን ብምስራሕ ምድፍፋእ ቦታ ከይህልዎ ፅንፊ-ዝረገፁ ሓሳባት ከይስፋሕፍሑን ክሰርሕ ኣለዎ ኢሎም።
ብዘመናት ዝተሃንፀ ሃብቲ ማሕበረሰብ ብምሽርሻር ኣብ መንጎ ህዝቢ ምትእምማን ከይህሉ ዝስርሑ ስራሕትታት ንምፍሻል ፃዕሪ ይሓትት እዩ ዝበሉ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ መምህርን ተመራማሪ ፖለቲካል ሳይንስን ርክብ ዓለም ለኸን ሱራፌል ጌታሁን እዮም።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ግዳማውያንን ውሽጣውያንን ፀላእቲ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠሩ ዘይምርግጋኣት ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምውሳድ ፖለቲካዊ ድሌት ንምዕዋት ይፃደፉ ኣለዉ ኢሎም።
ስለዚ ከም ማሕበረሰብ ካብ ከምዚ ዝበሉ ኣጀንዳታት ዓርሳኻ ምርኣይ የድሊ እዩ ኢሎም።
ማሕበረሰብ ኣንነት ዘግንኑ ሓሳባት እንትገጥሙዎ “ንምንታይ?” ኢሉ ክሓትትን ደው ኢሉ ክሓስብን ከምዘለዎ እውን ሓቢሮም።
ብፍላይ “ንሳቶምን” “ንሕናን” ዝብሉ ናይ ኣፈላላይ ወረታት ብዘይምትእንጋድ ዕላመኦም ምፍሻል የድሊ፤ ነዚ ድማ ኩሉ እጃሙ ክዋፃእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።