Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያውያን ሙሁራት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኢድ ንምእታው እናተገበረ ዝርከብ ምንቅስቓስ ዝቃወም ደብዳበ ናብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣእቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ትውልደ ኢትዮጵያውያን ሙሁራት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኢድ ንምእታው እናተገበረ ዝርከብ ምንቅስቓስ ዝቃወም ደብዳበ ናብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ሕብረት ኣውሮፓን ሩሲያን ምእታዎም ገሊፆም።

ኣብ ጀርመን ከተማ በርሊን ዝነብሩን ኣብ ዘዓበየ ኩባኒያ ኣፍራዪ መኪና ሜርሴዲስ ዝሰርሑን ዶክተር ፀጋዬ ደግነህ ሓዊሱ ካልኦት ካብ ካልኦት ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ ዝተውፃፅኡ 33 ሙሁራት ኢዮም ናብተን ትካላት ናይ ተቓውሞ ደብዳበ ኣእቲዮም ዘለዉ፡፡

ዶክተር ፀጋዬ ደግነህን ፕሬዚዳንር ማሕበር ዳያስፖራ ኣብ ሩሲያ ፕሮፌሰር ዘነበ ክንፉን ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድ ንምእታው ዝግበር ምንቅስቓስ ከምዝቃወሙ ተዛሪቦም፡፡

ተወከልቲ ህዝቢ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዝተሰሓሓተ ሓበሬታን ናይ ባዕሎም ረብሓ ጥራሕ ብምቕዳም ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዶም ንምእታው እናፈተኑ ከምዝኾኑ እውን ገሊፆም፡፡

“እዚ ዓይነት ኣካይዳ ነቲ ሕብረት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ብፍላይ ኣብ ጉዕዞ ዲፕሎማሲ ኣብ ቀፃሊ ጉዳይ ምሕዝነት ሕቶ ከልዕል ዝኽእል ስለዝኾነን ክሓስቡሉ ከምዝግባእ ኣገንዚብናዮም ኢና” ኢሎም፡፡

ብስላባት ማናዬ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.