Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ንግድብ ህዳሰ ዝገብርዎ ደገፍ ንክቕፅል ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ንዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ደገፍ ኣጠናኺሮም ንክቕፅሉ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ብዝገበርዎ ርብርብ ህንፀት እቲ ግድብ ናብ መኸንበቲ ምዕራፍ  ምስግጋሩ እቲ ኤምባሲ ሓቢሩ።

ዳያስፖራ ንህፀት እቲ ግድብ፥ ፐብሊክ ዲፕሎማሲናን ኣድቮኬሲን፣ ሽግግር ፍልጠትን ክእለትን ከምኡውን ምትእኽኻብ ሃፍቲ ተግባራት ከካየድ ከምዝፀንሐ ኣፍሊጡ።

ስለዝኾነ ዝተረፉ ስራሕቲ ህንፀት ብምኽንባት እቲ ግድብ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ስራሕ ንምእታው ልዑል ሸርፊ ወፃኢ ስለዘድሊ ዳያስፖራ ኣብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ብዝማዕበለ https://www.itsmydam.com ኣቢሉ ዝጀመሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ንክቕፅል ፃውዒት ቀሪቡ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.