ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ድሕሪ ኮቪድ-19 ኢኮኖሚ ንኽማሓየሽ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ኣድሂበን ተዛቲየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ድሕሪ ኮቪድ-19 ኢኮኖሚ ንኽማሓየሽ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ኣድሂቦም ምስ ዳይሬክተር ጀነራል ግምጃ ቤት ፈረንሳይ ከፈንሳይ ኢማኑኤል ሞውሊን ተዛቲዮም።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ፥ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓማውቲ ዝተረኸቡ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ዓወታት ንምሕላው ንኢኮኖሚ ኣፍሪካ እዋኑ ዘሓለወን ቀፃሊ ዝኾነ ሓገዝ ፋይናንስ ከምዘድሊ ተዛሪቦም።
ዳይሬክተር ጀነራል ኢማኑኤል ማውሊ ብግደኦም፥ ብምኽንያት ኮቪድ ዝተፈጠረ ፅዕንቶ ኢኮኖሚ ንምፅዋር ዕላዊ ካብ ዝኾነ መኽፈሊ ልቓሕ ሓሊፎም ሓበራዊ ማዕቐፍ ብዝዓባ ዝኾነ መቃለሊ ፅዕንቶ ልቓሕ ኣድሂቦም መብርሂ ሂቦም።
እቶም ሚኒስትርን ዳይሬክተር ጀነራልን ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ዘሎ ርክብ ንምጥንኻር ተስማዕሚዖም።
ብፍላይ ኣበር ሃገራት ኣፍሪካ ዘሎ ናይ ምልማዕ ድሌት ክቕፅል ንምግባር ፈጠራ ዝተሓወሶ ፋይናንሳዊ መፍትሒ ኣድላዪ ምዃኑ ኣብ ስምምዕነት ምብፀሖም ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…
ይግበሩ/ራ!