Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ጣሊያንን ልዕሊ ብር 1 ቢሊየን ስምምዕነት ሓገዝን ልቓሕን ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ጣሊያንን ልዕሊ ሓደ ቢሊየን ብር ስምምዕነት ሓገዝን ልቓሕን ተፈራሪመን።

እቲ ስምምዕነት፥ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣድማሱ ነበበን ኣምባሳደር ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያ አርቱሮ ሉዚን ኢዮም ተፈራሪሞምዎ።

ካብ ውሽጢ እቲ ስምምዕነት ብር 456 ነጥቢ 98 ሚሊየን ብሓዝ ዝተውሃበ እንትኸውን፥ እቲ ዝተረፈ ብር 575 ነጥቢ 72 ድማ ልቓሕ ምዃኑ ተገሊፁ።

እቲ ገንዘብ ንፕሮግራም መመላኽዒ ሸገር፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ኣብ ኣተገባብራ ጥዕና ክልላትን ከልኦት መሰረተ ልምዓታትን ክውዕል ኢዩ ተባሂሉ።

ብኣዲሱ ሙሉነህ

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.