ኢትዮጵያን ጅቡቲን ግብረ ራዕዲ ንምውጋእ ብሓባር ከምዝሰርሓ ገሊፀን
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ጅቡቲን ኣብቲ ዞባ ግብረ ራዕዲ ንምውጋእ ብሓባር ከምዝሰርሓ ገሊፀን፡፡
ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ጅቡቲ መዘንኡ ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ዘተ ኣካይዱ፡፡
ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን÷ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ናይ ነዊሕ ዘበን ርክብ ከምዘለወን ብምፅራሕ፤ ርክበን ኣብቲ ዞባ ተምሳሌት ሰናይ ርክብ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናገበረት ከምዝኾነት በምግላፅ÷ ኣብቲ ከባቢ እናተንቀሳቐሰ ዝርከብ ግብረ ራዕዲ ኣል-ሻባብ ንምውጋእ ኢትዮጵያ ቆራፅ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም፡፡
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጅቡቲ መሃሙድ ዓሊ የሱፍ ብግኦም÷ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ምሕዝነት ኣብ ቤተሰባዊነት ህዝቢታት ዝተመስረተ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ርክብ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።
ኣብቲ እዋን ዘተ ኢትዮጵያን ጅቡቲ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ፣ ንግዲን ኣገልግሎታት ወደብን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ምኽክር ከምዝገበሩ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡