Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ጅቡቲን ኣብ ሰደድ ንግዲ ወፃኢ ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ነግዲን ቀጣናዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) መስ ሚኒስትር ንግዲ ጅቡቲ ሙሃመድ ዋርሳማ ዘቲዮም።

እቲ ዘተ፥ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ኣብ ሰደድ ንግዲ ወፃኢ ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘኽእል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ከልቲኣዊ ንግዲ ኣብ ዝሳለጠሉ ኣገባብ ውፅኢታዊ ዘተ ኣካይድና ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ዝምድና ንግዲን ቀጣናዊ ኢኮኖሚያዊ ውህደትን ንምርግጋፅ ኢትዮጵያ ቁርፀኛ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.