Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ጅቡቲን ኣባል ቤት ምኽሪ ፀፅታን ሰላምን ሕብረት ኣፍሪካ ብምዃን ተመሪፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያን ጅቡቲን ኣባል ቤት ምኽሪ ፀፅታን ሰላምን ሕብረት ኣፍሪካ ብምዃን ተመሪፀን።

ስለዝኾነ ክልቲአን ሃገራት ንዝቕፅሉ ክልተ ዓማውቲ ኣባል ብምዃን ከገልግላ ኢየን።

እቲ ቤት ምኽሪ ምክልኻል፣ ምቁፅፃርን ኣፈታትሓን ጎንፂ ሕብረት ኣፍሪካ ብዝምልከት ውሳነ ዝህብ ኢዩ።

ብተወሳኺ ኣብ ኣፍሪካ ንዘጋጥሙ ጉንፂታት እዋናዊን ህፁፅን ምላሽ ክህብ ዝኽእል ናይ ድሕንነትን ቅድመ መጠንቀቕታን ትካል ኢዩ ተባሂሉ።

ቤት ምኽሪ ፀፅታን ሰላምን ሕብረት ኣፍሪካማዕረ ድምፂ ዘለወን 15 ኣባል ሃገራት ዝሓቖፈ እንትኸውን፥  እተን ሓሙሽተ ሃገራት ንሰለስተ ዓመት እተን 10 ድማ ንክልተ ዓመት ብኣባልነት ይምረፃ።

ኩለን ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ዝኾና ሃገራት ኣብ ስሩዕ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ኢየን ዝፀድቃ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.