Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ጂቡቲን ዶበን ካብ ራዕዲን ካልኦት ገበናትን ንምንፃህ ብሓባር ይሰርሓ ከምዘለዋ ኣፍሊጠን

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉመን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ጂቡቲን ዶበን ካብ ራዕዲን ካልኦት ገበናትን ንምንፃህ ብሓባይ ይሰርሓ ከምዘለዋ ኣፍሊጠን።

ኮሚሽነር ጄነራል ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገብረሚካኤል ምስ ዳይሬክተር ጄነራል ብሄራዊ ፖሊስ ጂቡቲ ኮሎኔል አብዱረህማን አሊ ተዛቲዮም።

ክልቲኦም ትካላት ቅድመ ሐዚ ዶብ ዘለል ገበናት ብሓባር ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዘኽእሉ ሰነድ ስምምዕነት ምኽታሞም ይፍለጥ።

ብመሰረት እዚ ግብረ ሓይሊ ፀፅታ እቶም ትካላት ብምጥያሽ ኣብ ከባቢ ዶብ ናይ ሓባር ሓለዋ ብምግባር ዝጀመርዎ ተግባራት ገምጊሞም።

ክሳብ ሐዚ ዝተረኸቡ ውፅኢታት ንምጥንካር ድማ ተስማዕሚዖም።

ኣብ ክልቲአን ሃገራት ገበን ፈፂሞም ዝሃድሙ ተጠርጠርቲ ንደላዪ ሃገር ተሓላሊፎም ንክወሃቡ ዝተጠናኸረ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ እቶም ኣመራርሓ ተረዳዲኦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.