Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ጂቡቲን ኣገልግሎት ካርጎ ባሕሪ ኣየር ንምጅማር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ) መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን በዓል መዚ ናፃ ዞባ ወደብ ጂቡቲን ብሓባር ብምዃን ኣገልግሎት ካርጎ ባሕሪ ኣየር ብምጅማር ዝውውር ሸቐጣት ብምቅልጣፍ ንግዲ ኣህጉር ኣፍሪካ ብዝበለፀ ምስላት ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ንምስራሕ ተስማዕሚዐን።

ብፍላይ ካብ ቻይና ናብ ኣፍሪካ ዝሳገር ልዕሊ 400 ሺሕ ቶን ፍርያትን ሸቐጥን ብባሕሪ ኣየር ብምትሕሓዝ ካብ ጂቡቲ ናብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ቅልጡፍ ግልጋሎት ካርጎ ንመሃብ ዘኽእለ ኢዩ ተባሂሉ።

እዚ ውፅኦታዊ እንተኾይኑ፥ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግልጋሎት ካርጎ ብዕፅፊ ከዕቢ ከምዝኽእል ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃ ኣፍሊጡ።

ኣብ እዋን እቲ ስምምዕነት ኣብ ዝተገበረ ዘተ፥ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጂቡቲ ብርሃኑ ፀጋየ፣ ኣቦ መንበር በዓል መዚ ናፃ ዞባ ወደብ ጂቡቲ ኣቡበከር ዑመር ሃዲ፣ ተወከልቲ መገዲ ኣየራት ኢትዮጵያን ጂቡቲን፣ ሓለፍቲ ጉዳያት ንግዲ ቻይናን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ተሳቲፎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.