ኢትዮጵያን ጀርመንን ስምምዕነት ሓገዝ 25 ሚሊየን ዩሮ ተፈራሪመን
ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ጀርመንን ስምምዕነት ሓገዝ 25 ሚሊየን ዩሮ ተፈራሪመን።
እቲ ስምምዕነት ሓገዝ ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰውን ኣብ ባንኪ ልምዓት ጀርመን ዳይሬክተር ሕብረት ኣፍሪካን ምብራቕ ኣፍሪካን ክርስቶፍ ቲስኬንስ ተፈራሪሞምዎ።
እቲ ሓገዝ ኣብ በፀር ክፋል እታ ሃገር ዘሎ ምትእስሳር ሕርሻ ንምጥንኻር ዝትግበር ፕሮጀክት ንምምሕያሽ ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።
እዚ ድማ ኣብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ዞባ ኣርሲን ዝትግበር ከምዝኾነ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com