Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ወታደራዊ ርክበን ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ – ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንነዊሕ ዘበን ዝዘለቐ ወታደራዊ ርክብ ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ሚኒስትር ምክልኻ ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ገሊፀን፡፡

ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ብሚኒስትር ጉዳያት ነበር ዘመትቲ ደቡብ ኮሪያ ካንግ ጁንግ-ኣይ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ተዛቲየን፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ታሪኻ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ዘበናት ዘቑፀረ ከምዝኾነን ነቲ ታሪኻዊ ርክብ ኣብጠናኽሩ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ልዑል ድሌት ከምዘሎ ተገሊፁ፡፡

ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ኣብቲ እዋን÷ ወታደራት ኢትዮጵያ ኣብ ኮሪያ ግዳጅ ምኽባር ሰላም ኣብ ዝተዋፈረሉ እዋን ዝፈፀሞ ወታደራዊ ጅግንነትን ፍቕሪ ሰንደቕ ዕላማን ክሳብ ሕዚ ክልቲአን ሃገራት ዝኾርዓሉ ዘደንቕ ተግባር ከምዝኾነ ኣልዒለን፡፡

ነቲ ታሪኽ ብዘኽብር መልክዑ ንነዊሕ እዋን ዝዘለቐ ወታደራዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ኣጠናኺርካ ክቕፅል ምጋበር ግቡእ ከምዝኾነ ምግላፀን ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ሚኒስትር ምክልኻል የመላኽት።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.