Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ስራሕቲ ድሮን ካርታ ንምስፍሕፋሕ ዘኽእል ስምምዕነት ከቲመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂን አቪዬሽን ኮሪያ ምስ ሚኒስቴር መሰረተ ልምዓትን  ፌዴሪኢ ከተማን ኣብ ኢትዮጵያን ስራሕቲ ድሮን ካርታ ንምስፍሕፋሕ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈራሪሞም፡፡

እቲ ስምምዕነት ኣብ ድሮን ዝተመስረቱ ኣገልግሎታትን ልዑል ስራሕቲ ስግግር ክእለትን ናብ ኢትዮጵያ ከምዘምፅእን ውፅኢታዊ መሳርሒ ለውጢ ናይ ምዃን ሓይሊ ከምዘለዎ ተገሊፁ፡፡

ምክትል ፕሬዚዳንት ሆጁንግ ኣንድሪው ቾ ኣብቲ እዋን ስምምዕነት ከምዝበልዎ እቲ መረዳድኢ ሰነድ ክእለታት ድሮን፣ማዕቀፋት ድሕንነትን ኣብ ውሽጢ መተግበርታት ድሮን ቐፃልነት ዘለዎ ዕብየት ንምፍጣርን ኣብ ቐፃሊ ስራሕቲ ምትሕብባር ንምጅማር የኽእል፡፡

ኣብ ደቡብ ኮሪያ እናተኻየደ ኣብ ዘሎ ስማርት ጂኦ እስፓሺያል ዓውደርዕይ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣተኣኻክባብን ኣተሓሕዛን ሓበሬታ እስፓሺያል ተሞክሮታት ቀርበዋል፡፡

ኣብ ፌዴሪኢ ከተማን ሚኒስቴር መሰረተ ልምዓትን ኣፈጣሚ ስራሕ ካዳስተር  መሬት ኣይተ ብዙዓለም አድማሱ ኣብቲ መድረኽ ሃገርና ዘላትሉ ብርኪ ንካልኦት ልምዲ ዝኾኑ ከምኡ’ውን ኣብ ቐፃሊ ክስርሑ ዘለዎም ስራሕቲ ከምዘብራህርሁ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.