ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ብገበን ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት ኣሕሊፍካ ንምሃብ ዘኽእል ስምምዕነት ከቲመን
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ብገበን ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት ኣሕሊፍካ ንምሃብ ዘኽእል ስምምዕነት ከቲመን።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን፣ ሚኒስትር ዓለም ለኸ ርክብን ምትሕብባርን ደቡብ ኣፍሪካ ናሌዲ ፓንዶር(ደ/ር)፣ ላዕለዎት ሰብ መዚ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተረኸብሉ መበል ራብዓይ ሓበራዊ ኣኼባ ኪሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮ-ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።
ኣብቲ ኣኼባ፥ ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ብገበን ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት ኣሕሊፍካ ንምሃብ ዘኽእል ስምምዕነት ከቲመን።
ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት፥ ሚኒስትር ፍትሒ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር)ን ሚኒስትር ዓለም ለኸ ርክብን ምትሕብባርን ደቡብ ኣፍሪካ ናሌዲ ፓንዶር(ደ/ር)ን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።
ክልቲአን ሃገራት ብንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ ሳይንስ፣ ኢኖቬሽን፣ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ባህሊን ካልኦት ብዙሓት ዓውዲታትን ዝኸተምኡ ክልቲኣዊ ውዕላት ኣፈፃፅምኡ ዝጠመተ ገምጋም ከምዝተሳለጠ ግዚኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።