Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዘራኽብ 220 ኪሎ ሜትሮ መገዲ ክህነፅ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዘራኽብ 220 ኪሎ ሜትሮ መገዲ ከምዝህነፅ ተገሊፁ።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ወርሒ ግንቦት 2023 ዓ.ም.ፈ ዝኸተምኡ ናይ 738 ሚሊየን ዶላር ስምምዕነት ፋይናንስ  ስዒቡ እቲ መገዲ ይህነፅ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ብሄራዊ ቤት ምኽሪ መውፅኢ ሕጊ ሽግግር ደቡብ ሱዳን ዶብ ተሳጋሪ መገዲ ኢትዮ-ደቡብ ሱዳን ንምህናፅ ዝተፈረመ ስምምዕነት ገንዘብ ከምዘደቐ እውን ተሓቢሩ።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትሕበባርን ሓበራዊ ተረባሕነትን ብምርኣይ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝሓሸ ብርኪ ክብ ንምባልን ኢኮኖሚያዊ ርክብ ንምጥንኻርን ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.