Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ወታደራዊ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ኢታማዡር ሹማት ኢትዮጵያን በደቡብ ሱዳንን ወታደራዊ ስምምነት ተፈሪሙ፡፡

ብላዕለዋይ ኢታማር ሹም ደቡብ ሱዳን ጀኔራል ጆንሰን ጁማ ኡኮት ዘውተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ላዕለዎት መኮንናት ሰራዊት ምክልኻል ደቡብ ሱዳን፥ ትማሊ ምስ ኢትዮጵያ መዘነኡ ኣብ ሓበራዊ ወታደራዊ ጉዳያት ክልቲአን ሃገራት ምዝታዩ ይፍለጥ፡፡

ሎሚ መዓልቲ ድማ ኣብ ዝዘተዩሎም ጉዳያት ኣብ ስምምዕነት በፂሖም ስነ ስርዓት ምንባር ክታም ፈፂሞም፡፡

እቲ ስምምዕነት፥ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ልውውጥ ሓበሬታ ወታደራዊ ድሕንነት፣ ኣብ ዶብ ዝግበሩ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ሰብን መሳርሒታት ኲናትን ብሓባር ምግታእ፣ ወታደራዊ ዲፕሎማሲ ምጥንኻር፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ወታደራዊ ምንቅስቓሳት፣ ኣብ ትምህርቲን ስልጠናን ብሓባር ምስራሕ ዘካተተ ከምዝኾነ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.