Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕ ከቲሞም

ኣዲስ ኣበባ፣  20 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂን ካብ 2024 ክሳብ 2028 ዓ.ም.ፈ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕ ከቲሞም።

ኣብቲ ስምምዕነት ሚኒስትር ኢኖቬቨንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር)ንምክትል ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ  ጀነራል ህዋ ሊዩን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ዕዳጋ ዝተደረኸ ስርዓት ኢኮኖሚ ብምፍጣር ዝማዕበለት ሃገር ንምህናፅ ከምኡውን ግደን ተሳትፎን ውልቀ ሴክተራት ክብ ዘብል ስምምዕ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ምርግጋዕ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምሕላው፣ ስሉጥን ቀፃልነት ዘለዎን ምዕባለ ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ፣ ፍሪያትን ተወዳዳሪነትን ክብ ንምባል ዝዓለመ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

በለጠ ሞላ (ዶ/ር)፥ ኢትዮጵያ ስነ ምህዳር ምህዞ ብምጉልባት፣ ህንፀት ዓቕሚ ሓይሊ ሰብ ንምጥንኻርን  ኣብ ኒውክሌር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ቀጣናዊ ምትሕብባር ንምዕባይ ዘለዋ ቁርፀኝነት ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.