Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኬንያን ተሳትፎ ዳያስፖራ ከብ ንምባል ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ዘቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ኬንያን ተሳትፎ ዳያስፖራ ከብ ንምባል ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ዘቲየን።

ብሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኬኒያ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ኣገልግሎት ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ልውውጥ ልምዲ ገይሮም።

ኣብቲ መድረኽ፥ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ዳያስፖራ ኬኒያ ሮስሊን ንጆጉ፣ ኣምባሳደር ኬኒያን ካልኦት ኣባላት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኬኒያን ተረኺቦም።

ም/ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ዳያስፖራ ኢትዮጵያ በላይነህ ኣቅናው፥ ስራሕቲ ልምዓትን ተሳትፎን ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ንምጉልባት ዝገበረቶም ሕጋዊ፣ ትካላዊን ኣወዳድባን ከይዲታት ከምኡውን ዝተረኸቡ ውፅኢታት ኣብሪሆም።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.