ኢትዮጵያን እስራኤልን ክታበት ኮቪድ-19 ብሓባር ምፍራይ ኣብ ዝኽእላሉ ኩነታት ኣድሂቡ ዘተ ተኻይዱ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን እስራኤልን ክታበት ኮቪድ-19 ብሓባር ምፍራይ ኣብ ዝኽእላሉ ኩነታት ኣድሂቡ ዘተ ተኻይዱ።
ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ምስ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ኣለልኝ ኣድማሱን ምክትል ኣምባሳደር ኦር ዳንኤልን ኣብ ዓውዲ ጥዕና ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሎም ኩነታት ኣድሂበን ተዛዚየን፡፡
ኣብ ዘተአን ድማ ክልቲአን ሃገራት ክታበት ኮቪድ-19 ብሓባር ምፍራይ ኣብ ዝኽእላሉ ኩነታት፣ ኣብ ህንፀት ዓቕሚ፣ ኣብ ኢንቨስትመንት ዓውዲ ጥዕናን ኣብ ዘፈር ጥዕና ዘለወን ምትሕብባር ምዕባይ ዝከኣለሉ ኩነታትን ኣድሂበን ከምዝተዛተያ ካብ ኤምባሲ እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።